9 እግዚኣብሄር ድማ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ።
ንሱ ድማ “ኣቲ ኣጋር፥ ኣገልጋሊት ሶራ፥ ካበይ መፂእኺ? ናበይከ ትኸዲ ኣለኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ኻብ ቅድሚ እምበይተይ ሶራ እሃድም ኣለኹ” በለት።
እግዚኣብሄር ግና ንኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መፂኡ፤ “እዛ ወሲድካያ ዘለኻ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ እያ እሞ፥ እንሆ ብሰንካ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።
እግዚኣብሄር ግና ብሕልሚ፥ ለይቲ ናብ እቲ ሶርያዊ ላባ መፂኡ “ንያእቆብ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተጠንቀቕ” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንቃየል “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ። ቃየል ድማ “ኣይፈልጥን፤ ኣነዶ ሓላዊ ሓወይ እየ?” ኢሉ መለሰ።
ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ “ሕልሚ ፈርዖን ሓደ እዩ። እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ ንፈርዖን ነጊርዎ ኣሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ?” በሎ። ሙሴ ድማ “በትሪ እያ” በለ።
ኢድ ሰብ እንተይነኽኦ፥ ካብ እምባ ተፈንቂሉ ዝወረደ እምኒ፥ ንሓፂንን ንነሃስን ንሻኽላን ንብሩርን ንወርቅን ከድቅቖ እንተሎ ዝረአኻዮ፥ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎ ንኣኻ ንንጉስ ኣርእዩካ ኣሎ። እቲ ሕልሚ ትክኽል፥ ትርጕሙ ኸዓ እሙን እዩ።”
በለዓም ከዓ ንእግዚኣብሄር “ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥
እግዚኣብሄር ድማ ብለይቲ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ክፅውዑኻ ኻብ መፁ ምስኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር” በሎ።
ንሱ ድማ “ሎሚ ለይቲ ኣብዙይ ሕደሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኒ ነገር ከዓ ምላሽ ክህበኩም እየ” በሎም። ሹመኛታት ሞኣብ ድማ ምስ በለዓም ሓደሩ።
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ፥ ነቶም ሕሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት፥ ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ‘ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተናገርናን? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን? ብስምካኸ ብዙሕ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን?’ ክብሉኒ እዮም።
እዙይ ዝበለ ግና፥ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ ቤዛ ህዝቢ ኽመውት ከም ዘለዎ ተነበየ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን።