5 ንሱ ነቲ ኣብ ፋቱራ፥ ጥቓ ሩባ ኣብ ዘላ ዓዱ፥ ተቐሚጡ ንዘሎ በለዓም ወዲ ቢዖር፥ ልኡኻት ሰዲዱ ፀውዖ። “ኣብዙይ ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ኣለዉ፤ ንሳቶም ንገፅ ምድሪ ዝኸድኑ እዮም፤ እንሆ ኣብ ጥቓና ከዓ ሰፊሮም ኣለዉ።
ንዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ምድሪ ኸብዝሖ እየ። ሑፃ ምድሪ ኽቘፅር ዝኽእል ሰብ እንተልዩ፥ ዘርእኻውን ክቝፀር እዩ።
ንህዝቡ የመና ኣብዝሖም፤ ካብ ፀላእቶምውን ኣበርትዖም።
ምድሪ ኽሳዕ እትፅልምት ንዅላ ምድሪ ሸፈና። ንዅሉ በቝሊ ምድርን ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ፍረ ኦምንውን በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ኦም ወይ ኣብ በቝሊ ግራት፥ ምንም ለምዒ ኣይተረፈን።
ኣታ ህዝበይ ፅድቂ እግዚኣብሄር ንኽትፈልጥ፥ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፥ በለዓም ወዲ ቢዖር ከዓ ዝመለሰሉ፥ ነቲ ኻብ ለሰ ሸጢም ክሳዕ ጌልገላ ዝኾነ ዘክር።”
ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “ባላቅ ካብ ኣራም፥ ንጉስ ሞኣብ ካብ እምባታት ምብራቕ ኣምፅአኒ፤ ነዓ ‘ንያእቆብ ርገመለይ፤ ነዓ፥ ንእስራኤል ተበኣሰለይ’ በለኒ።
ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ።
እዙይ ከዓ ኻብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም፥ ኣብ መንገዲ እንጀራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፥ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም፥ ካብ ጴቶር ናይ ኣራም ነሃራዪም ብዋጋ ስለ ዘምፅእዎ እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘፍቀረኩም ግና፥ ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ ለወጠልኩም እምበር።
ደቂ እስራኤል ከዓ ንበለዓም ጠንቋሊ ወዲ ቢዖር ምስቶም ካልኦት ኣብ ውግእ ዝቐተልዎም ብሰይፊ ቐተልዎ።
ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ተሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፤ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም ልኢኹ ፀውዖ።
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!
እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።