39 በለዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደ፤ ናብ ቂርያት ሑፆት ከዓ መፁ።
ሞኣብውን ናብ ኰረብታ ደዪቡ እንተ ፀዓረ፥ ኣብ መቕደሱውን ክፅሊ እንተ ኣተወ፥ ሓደ እኳ ዘስልጦ የብሉን።
በለዓም ከዓ ንባላቅ “እንሆ፥ ናባኻ መፂአ ኣለኹ፤ እንተ ኾነ ሓደ ነገር ክዛረብ ኣይክእልን እየ፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንብረለይ ቃል እየ ዝዛረብ” በሎ።
ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሓሪዱ ናብ በለዓምን ናብቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታትን ስጋ ሰደደ።