Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 22:34 - መፅሓፍ ቅዱስ

34 በለዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እወ፥ በዲለ፤ ክትቃወመኒ ኢልካ ኣብ መንገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን። ሕዚ ኸዓ ዘጕህየካ እንተ ኾይኑስ ኽምለስ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 22:34
16 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ዳዊት ንናታን “ንእግዚኣብሄር በዲለ እየ” በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፦ “እግዚኣብሄር ከዓ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፤ ኣይትመውትን ኢኻ።


ካብዝ ነገር እዙይ ዝተልዓለውን እግዚኣብሄር ተቘጥዐ፤ ንህዝቢ እስራኤል ከዓ ቐሰፎ።


እንትቐትሎም ሽዑ ይደለይዎ ነበሩ፤ ይምለሱ ናብ እግዚኣብሄርውን ይግስግሱ።


ፈርዖን ከዓ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ፀውዖም። “ኣነ በዲለ እየ፤ እግዚኣብሄር ግና ፃድቕ እዩ፤ ኣነን ህዝበይንውን ሓጢኣተኛታት ኢና።


እግዚኣብሄር ነዙይ ሪኡ ብዓይኑ ኽፉእ ከይኸውን፥ ቍጥዓኡውን ካብኡ ኸይመልስ።


እቶም ህዝቢ ክፉኣት ኮይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣጕረምረሙ። እግዚኣብሄር ሰሚዑ ድማ ተቘጥዐ፤ ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ነደደ፤ ነቲ ወሰን ሰፈር ድማ በልዐ።


ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሆም ተስኡ “በዲልና ኢና እሞ፥ እንሆ ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ ኣለና” ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ።


እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስኣቶም ኣይትኺድ፤ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ድማ ምሩቓት እዮም እሞ ኣይትርገሞም” በሎ።


እታ ኣድጊ ኸዓ ሪኣትኒ፥ ሰለስተ ሻዕ ኻብ ቅድመይ ኣግለሰት፤ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፥ ንኣኣ ብህይወታ ሓዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ” በሎ።


ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እወ፥ ነቶም ህዝቢ ፈሪሐ ኸም ቃሎም ስለ ዝገበርኩ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ዘረባኻን ስለ ዝጠሓስኩ፥ በዲለ እየ።


ሳኦል ድማ “በዲለ እየ። ሕዚ ግና ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሰግድስ ምሳይ ተመለስ” በሎ።


ንዳዊት ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኽፉእ እናገበርኩኻ ፅቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፥ ካባይ ብዝበለፀ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ።


ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos