33 እታ ኣድጊ ኸዓ ሪኣትኒ፥ ሰለስተ ሻዕ ኻብ ቅድመይ ኣግለሰት፤ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፥ ንኣኣ ብህይወታ ሓዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ” በሎ።
እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ተቐሲፎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ስለ ምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሻዕ ዝወቓዕኻያ? እዛ መንገድኻ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ስለ ዘይኮነት፥ እንሆ፥ ክቃወመካ መፃእኹ።
በለዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እወ፥ በዲለ፤ ክትቃወመኒ ኢልካ ኣብ መንገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን። ሕዚ ኸዓ ዘጕህየካ እንተ ኾይኑስ ኽምለስ” በሎ።