3 ሞኣባውያን ከዓ፥ ህዝቢ እስራኤል ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፥ ብኣኣቶም የመና ፈርሑ። ሞኣባውያን ብደቂ እስራኤል ተሸበሩ።
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ እንጀራን ማይን ሒዞም ኣይተቐበልዎምን፤ እኳ ደኣ ንእስራኤል ክረግመሎም ንበለዓም ዓደግዎ። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ናብ በረኸት ለወጦ።
እግዚኣብሄር ነዕፅምቲ እቶም ግብዛት በቲኑ እዩሞ፥ ኣብኡ ዘፍርሕ እንተይሃለወ የመና ፈርሑ፤ እግዚኣብሄር ንዒቑዎም እዩ እሞ፥ ኣሕፈርካዮም።
ግና ብመጠን እቲ ዘጨነቑሎም ክንድኡ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ ግብፃውያን ድማ ንእስራኤላውያን ይፅየፉዎም ነበሩ።
መኳንንቲ ኤዶምያስ ተሸበሩ፤ ንመራሕቲ ሞኣብ ራዕዲ ሓዞም፤ ኣብ ከነዓን ዝነብሩ ዅሎምውን መኸኹ።
“ናብቶም እትጋጠሞም ኵሎም ህዝብታት ራዕዲ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ፥ ከሸብሮምውን እየ። ንዅላቶም ፀላእትኻ ኸዓ፥ ካባኻ ኸም ዝሃድሙ ኽገብሮም እየ።
ወረ ጢሮስ ናብ ግብፂ ምስ በፅሐ ብወረ ጢሮስ ቅልውላው ክሕዞም እዩ።
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብታት፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ብኣኻትኩም ከም ዘንቀጥቅጡን ከም ዝሽበሩን ክገብሮም እየ። ወረኹም ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ቅድሜኹም ክፈርሑን ራዕዲ ድማ ኽሕዞምን እዩ” በለና።
ንኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ንዅላ እታ ሃገር ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኸዓ ብምምፃእና ፈሪሖም ይርዕዱ ኣለዉ” በልዎ።
ንሳቶም ድማ ንኢያሱ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሙሴ ባርያኡ ዅላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኽህበኩም፥ ኣብዛ ሃገር ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ኻብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም ከም ዝኣዘዞ፥ ሰሚዕና ኢና። ስለዙይ ኣብ ቅድሜኹም ንነፍስና የመና ስለ ዝፈራሕና ኢና እዝ ነገር እዙይ ዝገበርና።