26 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንቕድሚት ሓሊፉ፥ ንየማን ወይ ንፀጋም መግለሲ ኣብ ዘይብላ መንገዲ፥ ኣብ ፀባብ ቦታ ደው በለ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኢድካ ልዕል ልዕል በለት፤ ግና ኣይረአዩን፤ ንህዝብኻ ዘለካ ቕንኣት ሪኦም ግና፥ ክሓፍሩ እዮም፤ ሓዊውን ንፀላእትኻ ኽትበልዖም እያ።
ስለዙይ፥ እንሆ፥ ንመንገድኺ ብእሾዅ ኽሓፅሮ እየ፤ መንገድታት ከይትረክብ ከዓ ንዙርያኣ ብመንደቕ ክሓፅሮ እየ።
እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ናብቲ መንደቕ ተፀግዐት፤ ንእግሪ በለዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣላግዐቶ። ንሱ ኸዓ ደጋጊሙ ወቕዓ።
እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ኣብ ትሕቲ በለዓም ለጥ በለት። በለዓም ድማ ተናዲዱ ነታ ኣድጊ ብበትሪ ወቕዓ።