25 እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ናብቲ መንደቕ ተፀግዐት፤ ንእግሪ በለዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣላግዐቶ። ንሱ ኸዓ ደጋጊሙ ወቕዓ።
ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፤ ምናልባሽውን ንፀላእትኺ እንተ ኣደንገፅክሉስ፥ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ፥ ዘዘውተርክዮ ጥንቈላኽን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ ቑሚ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ብኽልተ ወገኑ ኣብ ዝተነድቀ ፀቢብ መንገዲ ደው በለ።
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንቕድሚት ሓሊፉ፥ ንየማን ወይ ንፀጋም መግለሲ ኣብ ዘይብላ መንገዲ፥ ኣብ ፀባብ ቦታ ደው በለ።