24 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ብኽልተ ወገኑ ኣብ ዝተነድቀ ፀቢብ መንገዲ ደው በለ።
እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ዝተመዘዘ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ረአየት፤ ካብ መንገዲ ኣግሊሳ ኸዓ ናብቲ ግራት ኣቢላ ኸደት። በለዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መንገዲ ኽመልሳ ወቕዓ።
እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ናብቲ መንደቕ ተፀግዐት፤ ንእግሪ በለዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣላግዐቶ። ንሱ ኸዓ ደጋጊሙ ወቕዓ።