Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 22:22 - መፅሓፍ ቅዱስ

22 ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዐ። ንሱ ኣብ ኣድጉ ተቐሚጡ ኽልተ ሓሻኽሩ ኸዓ ምስኡ እናኸዱ እንተለዉ፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ክኽልክሎ ኣብ መንገዲ ደው በለ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 22:22
11 Referencias Cruzadas  

ኢዩ ኸዓ “ንጣዖት በዓል ዓብዪ በዓል ግበሩሉ” በለ። ንሳቶም ድማ በዓል ኣወጁ።


“ኣብ መንገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኸእትወካ፥ እንሆ፥ ኣነ ቐቅድሜኻ መልኣኽ እልእኽ ኣለኹ።


ኮነ ድማ፥ ሙሴ ኣብ መንገዲ ኣብ ዝሓደረሉ ቦታ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፤ ክቐትሎውን ደለየ።


ደሌጥ። ከም ፀላኢ ቐስቱ ገተረ፤ ከም ወደረኛውን የማናይ ኢዱ ኣበርትዐ፤ ንዓይኒ ዘብህግ ኵሉ ቐተለ፤ ኣብ ልዕሊ ድንኳን ጓል ፅዮን፥ ንቝጥዓኡ ኸም ሓዊ ኣፍሰሶ።


እግዚኣብሄር ድማ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ንደም ኢይዝራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዩ ኽብቀል እየ፤ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል ድማ ኸጥፍኣ እየ እሞ፥ ስሙ ኢይዝራኤል ኢልካ ስመዮ።


እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ዝተመዘዘ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ረአየት፤ ካብ መንገዲ ኣግሊሳ ኸዓ ናብቲ ግራት ኣቢላ ኸደት። በለዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መንገዲ ኽመልሳ ወቕዓ።


መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ስለ ምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሻዕ ዝወቓዕኻያ? እዛ መንገድኻ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ስለ ዘይኮነት፥ እንሆ፥ ክቃወመካ መፃእኹ።


መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ደኣ ተዛረብ” በሎ። በለዓም ከዓ ምስቶም ሹመኛታት ባላቅ ከደ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos