20 እግዚኣብሄር ድማ ብለይቲ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ክፅውዑኻ ኻብ መፁ ምስኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር” በሎ።
ከም ስራሕ ልቦም ሓደግክዎም፤ ብሓሳብ ልቦምውን ከዱ።
ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ።
እግዚኣብሄር ግና “ገና ቘልዓ እየ ኣይትበል፤ ናብቶም ዝልእኸካ ዅሎም ክትከይድ ኢኻ፤ እቲ ዅሉ ዝእዝዘካ ድማ ኽትነግር ኢኻ።
ብቝጥዓይ ንጉስ ሃብኩኻ፤ ብመዓተይውን ሰዓርክዎ።
ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር መሊሱ ዝብለኒ ኽፈልጥስ ንስኻትኩምውን በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብዙይ ሕደሩ” ኢሉ መለሰሎም።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ደኣ ተዛረብ” በሎ። በለዓም ከዓ ምስቶም ሹመኛታት ባላቅ ከደ።
በለዓም ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዝገበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግብአንን እዩ?” ኢሉ መለሰሉ።
እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም ተራኸቦ፤ ቃል ከዓ ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ ኢልካ ተዛረቦ በሎ”።
በለዓም ግና ንባላቅ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝገብር ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን?” ኢሉ መለሰሉ።
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍ በለዓም፥ ቃል ገበረሞ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ በል” በሎ።
ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል፤