2 ባላቅ ወዲ ሴፎር ድማ፥ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዅሉ ረአየ።
እግዚኣብሄር ድማ ቓል ደቂ እስራኤል ሰምዐ፤ ንከነዓናውያን ከዓ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ወቒዖም ደምሰስዎም። ነታ ኸተማ ድማ “ሔርማ”፥ ኢሎም ሰመይዋ።
ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ተሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፤ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም ልኢኹ ፀውዖ።
ሕዚ ኸዓ ንስኻ ኻብ ባላቅ ወዲ ሴፌር ንጉስ ሞኣብዶ ትበልፅ ኢኻ? ንሱ ምስ ደቂ እስራኤልዶ ተባኢሱ እዩ? ወይ ምስኣቶምዶ ተዋጊኡ እዩ?