19 ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር መሊሱ ዝብለኒ ኽፈልጥስ ንስኻትኩምውን በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብዙይ ሕደሩ” ኢሉ መለሰሎም።
በለዓም ድማ ንልኡኻት ባላቅ “ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብንእሽተይ ኮነ ብዓቢዪ ኸፍርስ ኣይክእልን እየ።
እግዚኣብሄር ድማ ብለይቲ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ክፅውዑኻ ኻብ መፁ ምስኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር” በሎ።
ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።
ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!