14 ሹመኛታት ሞኣብ ድማ ተስኡ፤ ናብ ባላቅ ተመሊሶም ከዓ “በለዓም ምሳና ምምፃእ ኣብዩ” በልዎ።
በለዓም ከዓ ኣንጊሁ ተሲኡ ንሹመኛታት ባላቅ “ምሳኻትኩም ከይኸይድ እግዚኣብሄር ከሊኡኒ እዩ እሞ፥ ናብ ሃገርኩም ኪዱ” በሎም።
ባላቅ ድማ ኻብኣቶም ዝበዝሑን ዝኸብሩን ካልኦት ሹመኛታት መሊሱ ሰደደ።
ባላቅ ድማ ንበለዓም “ቀልጢፍካ ኽትመፅእዶ ኣይለኣኽኩልካን? ስለ ምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመፃእኻ? ክብርኻ ኸዕብዮ ዘይክእልዶ መሲሉካ?” በሎ።