13 በለዓም ከዓ ኣንጊሁ ተሲኡ ንሹመኛታት ባላቅ “ምሳኻትኩም ከይኸይድ እግዚኣብሄር ከሊኡኒ እዩ እሞ፥ ናብ ሃገርኩም ኪዱ” በሎም።
እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስኣቶም ኣይትኺድ፤ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ድማ ምሩቓት እዮም እሞ ኣይትርገሞም” በሎ።
ሹመኛታት ሞኣብ ድማ ተስኡ፤ ናብ ባላቅ ተመሊሶም ከዓ “በለዓም ምሳና ምምፃእ ኣብዩ” በልዎ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘፍቀረኩም ግና፥ ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ ለወጠልኩም እምበር።