10 በለዓም ከዓ ንእግዚኣብሄር “ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥
‘እንሆ ኻብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ንገፅ ምድሪ ይኸድንዋ ኣለዉ። ሕዚ መፂእኻ ርገሞም፤ ምናልባሽ ክዋግኦምን ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ ኢሉካ’ ኢሎም ክነግሩኒ ዝለኣኸለይ ሰባት እዮም” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ።
ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ።