8 እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፦ “ምስሊ ተመን ብነሃስ ግበር፤ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኵሉ ዝተነኸሰ ናብኡ እንተ ጠመተ ብህይወት ክነብር እዩ” በሎ።
ነቲ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ መስገዲታት ኣወገዶ፤ ነቲ ኣዕማድ ኣእማን ሰባበሮ፤ ነቲ ሓወልትታት ኣስታሮትውን ኣዕነዎ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ናይ ነሃስ ተመን ድማ፥ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ይዓጥኑሉ ስለ ዝነበሩ ሰባባሮ። ስሙውን ነሑሽታን ኢሉ ፀውዖ።
እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፤ ንቝጥዓ ዝድንጒ ምሕረቱውን ዝበዝሐ እዩ።
ኦ ፍልስጥኤም! እቲ ዝወቕዐኪ ዝነበረ በትሪ ስለ ዝተሰብረ ዅልኻትኩም ኣይትተሓጐሱ። ካብ ሱር ተመን ኣፍዑት ይወፅእ እዩሞ። ፍረኡውን ዝነፍርን ሓዊ ዝመስልን ገበል ይኸውን።
ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ዘለዉ እንስሳታት ዝተነግረ ፆር። “በታ ተባዕታይን፥ ኣንስተይትን ኣናብስን መንደላይ ተመንን ዝነፍር ገበልን ዘለዋ፥ ምድሪ መከራን ጭንቅን ኣቢሎም፥ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ፥ ንመዛግብቶም ከዓ ኣብ ምንጕዳ ኣግማል ፅዒኖም፥ ሓንቲ እኳ ናብ ዘይጠቕሞም ህዝቢ ይወስዱሉ ኣለዉ።
“ኣምላኽ ኣነ እየ፤ ካልእ የለን እሞ፥ ኣቱም ኣብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ፥ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ።
ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር፥ ከይጠፍእስ፥ ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ንተመን ዝሰቐሎ፥ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኽስቀል ኣለዎ።