7 ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መፂኦም “ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፤ ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ፀለየ።
እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፥ ሰበይቲ ኣብርሃም፥ ንዅለን እተን ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ዝነበራ ኣንስቲ ማህፀነን ዓፅዩ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄርውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወዮም፤ ክወልዱ ኸም ዝኽእሉ ኸዓ ኾኑ።
ሕዚ ኸዓ ነታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ምለሳ። ንሱ ነቢይ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ኽትድሕን ክፅልየልካ እዩ። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፥ ንስኻን ናትካ ዝኾነ ዅሉን ብርግፅ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ።
ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ “እዛ ኢደይ ክትሓውስ በይዛኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነለይ፤ ምእንታይ ከዓ ፀሊ” በሎ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ለመነ፤ እታ ኢድ ንጉስ ድማ ሓወየት፤ ከም ቀደማውን ኮነት።
ኢዮኣካዝ ከዓ ንእግዚኣብሄር ለመነ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል ዘጨነቖም ጭንቀት ሪኡ ናይ ኢዮኣካዝ ፀሎት ሰምዐ።
ኢዮብውን ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ፀለየ፥ እግዚኣብሄር ንምርኮ ኢዮብ መለሰሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ እቲ ቐደም ዝነበሮ ሃብቲ ኽልተ ዕፅፊ ገይሩ ሃቦ።
ሕዚ ኸዓ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዝኩም ናብ ኢዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ኽንዲ ርእስኹም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኢዮብ ባርያይውን ክፅልየልኩም እዩ፤ ንእኡ ኽቕበሎ እየ። ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዝግባእ ኣይገብርን እየ።”
ስለዙይ ሽዑ “ከጥፍኦም እየ” በለ፤ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ኸየጥፍኦም፥ ካብ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኽምለስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ማእኸል ቆመ።
እንትቐትሎም ሽዑ ይደለይዎ ነበሩ፤ ይምለሱ ናብ እግዚኣብሄርውን ይግስግሱ።
ሕዚ ግና ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራሕ በይዛኻትኩም በደለይ ይቕረ በሉለይ። ነዝ ሞት እዙይ ካባይ ከርሕቐለይ ጥራሕ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ለምኑለይ” በሎም።
ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ስለ ምንታይ ቍጥዓኻ ኣብዝ ብዓብዪ ሓይልን ብፅንዕቲ ኢድን፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻ ዝነድድ?
ብፅባሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕዚ ኸዓ፥ ምናልባሽ ስርየት ሓጢኣት እንተ ረኸብኩልኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ” በሎም።
ፈርዖን ከዓ “ኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡሉ ኽትከዱ ኽሰደኩም እየ፤ ሕዚ ግና ፀልዩለይ” በሎም።
ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም መኳንንትኻን ጭንቍራዕ ክድይባኹም እየን’ በሎ።”
ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ካባይን ካብ ህዝበይን ጭንቍራዕ ከርሕቐለይ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኸይዱ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ መስዋእቲ ኸቕርብ ክሰዶ እየ” በሎም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብእዋን መከራኦም ደለዩኻ፤ ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።
ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ ንዮካል ወዲ ሰለምያን፥ ንሶፎንያስ ወዲ መእሴያ እቲ ኻህንን፥ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀሊ ኢሉ፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ለኣኸ።
“በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ፥ ገፀይ ከዓ ኽሳዕ ዝደልዩ፥ ከይደ ናብ ቦታይ ክምለስ እየ፤ ብጊዜ መከራኦምውን ፈፂሞም ክደልዩኒ እዮም።”
እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ ምስ ኣእወዩ፥ ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ፤ እቲ ሓዊ ኸዓ ጠፍአ።
ሲሞን ድማ “ካብዝ ዝበልኩምዎ ነገራት ሓደኳ ኸይበፅሐንስ፥ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ” በሎም።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ድልየት ልበይን፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ዘቕርቦ ፀሎትን፥ እስራኤል ምእንቲ ኽድሕኑ እዩ።
ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዖ፤ ከጥፍኦ እውን ደለየ። ኣነ ግና በታ ጊዜ እቲኣ ምእንቲ ኣሮን ፀለኹ።
እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትሓውዩ፥ ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ።
ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እወ፥ ነቶም ህዝቢ ፈሪሐ ኸም ቃሎም ስለ ዝገበርኩ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ዘረባኻን ስለ ዝጠሓስኩ፥ በዲለ እየ።
ሳኦል ድማ “በዲለ እየ። ሕዚ ግና ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሰግድስ ምሳይ ተመለስ” በሎ።