28 ካብ ሓሴቦን ሓዊ ወፀ፤ ካብ ከተማ ሴዎን ድማ ሃልሃልታ፥ ንሱ ንኸተማ ዔር ናይ ሞኣብን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓ ኣርኖን ዝቕመጡን በልዖም።
ነጕባዞም ሓዊ በልዖም፤ ደናግሎምውን ኣይሓዘናን።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናብቶም ህጡራት፥ ዕብራን ክሰድድ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኽብሩ ድማ ኸም ነበልባል ሓዊ ኸባርዕ እዩ።
ሓሴቦንን ኤልያሊን የእውዩ ኣለዉ፤ ድምፆም ከዓ ኽሳዕ ያሃፅ ይስማዕ ኣሎ፤ ስለዙይ ሰልፈኛታት ሞኣብ ኣእወዩ። ነፍሳ ኣብ ውሽጣ ተንቀጥቀጠት።
ሞኣብውን ናብ ኰረብታ ደዪቡ እንተ ፀዓረ፥ ኣብ መቕደሱውን ክፅሊ እንተ ኣተወ፥ ሓደ እኳ ዘስልጦ የብሉን።
ኣብ ልዕሊ ቅፅርታት ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻታ ኸዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ባሶራን ድማ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”
ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ራባት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ብመዓልቲ ውግእ ብኣውያት፥ ብመዓልቲ ኣውሎ ንፋስውን ብሁከት ንኣዳራሻታ ህሙኽ ከብሎ እዩ።
ኣነ ናብ ቤት ኣዛሄል ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ወልደ ኣዴር ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።
ስለዙይ ኣነ ናብ ቅፅሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻታ ኸዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።
ስለዙይ ኣነ ናብ ምድሪ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ቂርዮት ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብኣውያትን፥ ብድምፂ መለኸትን ክመውት እዩ።
ስለዙይ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”
ናብቲ ዔር ዘላቶ፥ ቍልቍለት ለሰታት ድማ ናብ ወሰን ሞኣብ ዝፅጋዕ እዩ።”
ስለዙይ ከዓ እዮም እቶም ሰብ ብግጥሚ ኸምዙይ ዝበሉ፦ “ናብ ሓሴቦን ንዑ፤ ንሳ ትተሃነፅ፤ ከተማ ሴዎንውን ትተሓደስ።
ንፅባሒቱ ባላቅ ንበለዓም ወሲዱ ናብ ባሞት በዓል ኣደየቦ፤ ኣብኡ ኾይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ።
ሎሚ ንስኻትኩም ብዔር ኣቢልኩም ብወሰን ሞኣብ ክትሓልፉ ኢኹም።
እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ ዔር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፥ ካብኣ ርስቲ ኣይህበኩምን እየ። ስለዙይ ንሞኣባውያን ኣይትሃውኮም፤ ኣይትዋግኣዮምውን” በለኒ።
“እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ድማ፥ ‘ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኹም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደኣ ደሊኹምስ፥ ኣብ ፅላለይ ኣፅልሉ፥ እንተ ዘይኮነ ድማ ኻብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሓዊ ይውፃእ እሞ ነቲ ፅሕድታት ሊባኖስ የቃፅሎ’ ”
እንተ ዘይኮነ ኻብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎንን የቃፅል። ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከዓ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንኣቢሜሌክ የቃፅሎ” በሎም።