24 ደቂ እስራኤል ግና ተዋጊኦም ሰዓርዎ፤ ንምድሩ ኸዓ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ሓዝዎ። ወሰን ደቂ ኣሞን ግና ፅኑዕ ነበረ።
በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ያእቆብ ተሲኡ ኽልቲአን ኣንስቱን ክልቲአን ኣገልገልቱን ዓሰርተ ሓደ ደቁን ሒዙ ንሩባ ያቦቅ ተሳገረ።
“መንግስታትን ሃገራትን ከፊልካ ሃብካዮም፤ ንጉስ ሴዎን ዝገዝኣ ሃገር ሓሴቦንን ንጉስ ዓግ ዝገዝኣ ባሳንን ወረሱ።
ንሴዎን፥ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
“ኣነ ግና፥ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ዝግባ፥ ምፅንዑ ድማ ኸም ኣውሊዕ ንዝነበረ ኣሞራዊ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኽዎ። ንፍረኡ ኻብ ላዕሊ፥ ንሰራውሩውን ካብ ታሕቲ ኣጥፋእኽዎ።
ካብኡ ተጕዒዞምውን፥ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ኻብ ወሰን ኣሞራውያን ኣብ ዝወፅእ ፈለግ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከዓ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ወሰን ሞኣብ እዩ።
እዙይ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ኣስታሮት ኣብ ኤድረዒይ ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዓሮም ዝኾነ እዩ።
“ናብዛ ቦታ እዚኣ ምስ መፃእና ኸዓ፥ ሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን ዓግ ንጉስ ባሳንን ክዋግኡና ኢሎም ወፁ፤ ንሕና ግና ሰዓርናዮም።
ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ኻብ ገለዓድ ክሳዕ ፈለግ ኣርኖን ሃብክዎም። እቲ ወሰን ኣብ ማእኸል እቲ ሩባ ነበረ፤ ክሳዕ እቲ ምስ ኣሞራውያን ዘዋስን ፈለግ ያቦቅ ይበፅሕ ነበረ።
እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ንነገስታት ኣሞራውያን፥ ሴዎንን ኦግን፥ ምስ ምድሮም ዘጥፍኦም፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከዓ ኸምኡ ኽገብሮም እዩ።
ሽዑ ንሳቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ቤት ፌጎር ዘላ ለሰ፥ ኣብ ምድሪ ሴዎን ነበሩ። ሴዎን ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብፂ ምስ ወፁ ዝሰዓርዎ እዩ።
ኵሉ መንግስቲ ዓግ ኣብ ባሳን፥ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ ነበረ። ዓግ ካብቶም ተረፍ ራፋውያን ዝተረፈ ነበረ። ሙሴ ድማ ነቲ ህዝቢ ስዒሩ መሬቶም ሓዘ።
ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእተኹኹም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም፤ ምድሮም ድማ ወረስኩም፤ ካብ ቅድሜኹምውን ኣጥፋእኽዎም።
እቲ ነቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን፥ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን፥ ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና ኢና።
እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ግብፃውያንን ኣሞራውያንን ኣሞናውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ኣጨነቑኹም፥ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ኻብ ኣእዳዎም ኣድሓንኩኹም።
እቲ ንጉስ ደቂ ኣሞን ድማ ንልኡኻት ዮፍታሔ፦ “እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተሎ፥ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ እዩ እሞ፥ ሕዚ ምድረይ ብሰላም ምለሱለይ” በሎም።
“ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምፅጳ ዘይደየበ መን እዩ?” ኢሎም ከዓ ጠየቑ። እንሆ ኸዓ ኻብ ኢያቢስ ገለዓድ ናብ ሰፈር፥ ናብታ ጉባኤ ሓደ እኳ ዝመፀ ኣይነበረን።