23 ሴዎን ግና እስራኤላውያን ብግዝኣቱ ኽሓልፉ ስለ ዘይፈቐደ ዅሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤላውያን ክወግኦም ናብ በረኻ ወፀ፤ ናብ ያሃፅ መፂኡ ኸዓ ምስ እስራኤል ተዋግአ።
ሓሴቦንን ኤልያሊን የእውዩ ኣለዉ፤ ድምፆም ከዓ ኽሳዕ ያሃፅ ይስማዕ ኣሎ፤ ስለዙይ ሰልፈኛታት ሞኣብ ኣእወዩ። ነፍሳ ኣብ ውሽጣ ተንቀጥቀጠት።
“እተን ኣብ ደጕዓ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ልዕሊ ሆሎን፥ ኣብ በያሳ፥ ኣብ ሜፍዓት፥
ማይ ኔሞሬም ከዓ ምድሪ ኣፃምእ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣውያት ህዝቢ ሓሴቦንን ኤልያሊና ኽሳዕ ያሃፅ፥ ካብ ዞኣር ክሳዕ ሖሮናይም፥ ክሳዕ ዔግላት ሺልሺያ ኽስማዕ እዩ።
“ኣነ ግና፥ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ዝግባ፥ ምፅንዑ ድማ ኸም ኣውሊዕ ንዝነበረ ኣሞራዊ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኽዎ። ንፍረኡ ኻብ ላዕሊ፥ ንሰራውሩውን ካብ ታሕቲ ኣጥፋእኽዎ።
ንጉስ ኤዶማውያን ግና “ወፂእና ብሰይፊ ኸይንዋግአኩም ብሃገረይ ኣይትሕለፉ” በሎ።
ሽዑ ኸዓ ብዙሕን ሓያልን ሰራዊት ሒዞም ክወግእዎም ወፁ። በዝ ኸምዙይ ኤዶማውያን ንእስራኤል ብግዝኣቶም ምሕላፍ ምስ ከልእዎም፥ እስራኤላውያን ካብኡ ኣግለሱ።
ሽዑ ንሳቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ቤት ፌጎር ዘላ ለሰ፥ ኣብ ምድሪ ሴዎን ነበሩ። ሴዎን ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብፂ ምስ ወፁ ዝሰዓርዎ እዩ።
ያሕፃን ቄዴሞትን ሜፋዓትን፥
ሴዎን ግና ንደቂ እስራኤል ስለ ዘይኣመኖም ብወሰኑ ኽሓልፉ ኣይደለየን። ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኸዓ ኣብ ያሃፅ ሰፈረ፤ ምስ እስራኤል ድማ ተዋግአ።