22 “ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ናብ ገራሁን ናብ ወይንን እንተየግለስና፥ ማይ ዒላውን እንተይሰተና፥ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ክንከይድ ኢና” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱ።
ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእወና ግና፥ ንሱ ኣውያትና ሰምዐ፤ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ኻብ ግብፂ ኣውፅአና። “እንሆ ኸዓ ንሕና ኣብ ወሰን ግዝኣትካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቓዴስ ኣለና።
በይዛኻ! ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ብገራሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሓልፍን፤ ማይ ዒላውን ኣይንሰትን፤ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ደኣ ንኸይድ እምበር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይነግልስን ኢና።”