Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 21:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ካብኡ ተጕዒዞምውን፥ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ኻብ ወሰን ኣሞራውያን ኣብ ዝወፅእ ፈለግ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከዓ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ወሰን ሞኣብ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 21:13
8 Referencias Cruzadas  

ከም ዝነፍር ዒፍ ከም ዝተበተኑ ጫቚታት፥ ከምኡ ኣጓላት ደቂ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ክኾና እየን።


‘ሞኣብ ፈሪሳ እያሞ፥ ሓፈረት፤ ዋይ በሉ፤ ኣእውዩ፤ ሞኣብ ኣብ ሩባ ኣርኖን፥ ተስዒራ እያሞ ነወረት’ ኢልኩም ንገሩ፤ ሞኣብ ከም ዝፈረሰት ኣብ ኣርኖን ኣውርዩ።”


ስለዙይውን እዩ ኣብ መፅሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር ከምዙይ ተብሂሉ ዘሎ፦ “ዋሄብ ኣብ ሱፋ፥ ለሰታት ኣርኖንውን


ባላቅ ድማ፥ በለዓም ከም ዝመፀ ምስ ሰምዐ፥ ክቕበሎ ናብታ ኣብ ወሰን ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፥ ናብ ጫፍ ወሰን ግዝኣቱ ኸደ።


እግዚኣብሄር ድማ፦ “ተስኡ ንሩባ ዘሬድ ተሳገርዎ” በለና። ንሩባ ዘሬድ ድማ ተሳገርናዮ።


ሎሚ ንስኻትኩም ብዔር ኣቢልኩም ብወሰን ሞኣብ ክትሓልፉ ኢኹም።


እግዚኣብሄር ድማ “ሕዚ ተስኡ፤ ተጕዓዙውን፤ ንፈለግ ኣርኖን ድማ ተሳገሩ። እንሆ፥ ንሴዎን ኣሞራዊ፥ ንጉስ ሓሴቦን ምስ ኵሉ ምድሩ ኣብ ኢድኩም ሂበኩም ኣለኹ፤ ምስኡ ኸዓ ተዋግኡ እሞ ምድሩ ውረሱ።


“ሽዑ ብምድረ በዳ ኸይዶም፥ ንምድሪ ኤዶምያስን ንምድሪ ሞኣብን ዞርወን፥ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማዕዶ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ወሰን ሞኣብ ስለ ዝነበረ፥ ናብ ማዕዶ ወሰን ሞኣብ ኣይሓለፉን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos