9 ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወሰዳ።
ንስኻ ድማ በትርኻ ብኢድካ ኣልዒልካ፥ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሓያ፤ ኽፈሎውን። ደቂ እስራኤል ድማ ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ይሕለፉ።
ሙሴ ድማ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ፥ ኣብ ኣድጊ ኣቐመጦም። ናብ ምድሪ ግብፂውን ተመለሰ። ነታ ናይ እግዚኣብሄር በትሪ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኸደ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ነቶም ዓመፅቲ ምልክት ምእንቲ ኽትኮኖም፥ ንበትሪ ኣሮን፥ ኣብኡ ኽትሕሎ፥ ናብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ምለሳ፤ ነቲ ናባይ ምጕርምራሞም ከዓ ኸቋርፆ እየ። ንሳቶም ከዓ ኣይሞቱን እዮም” በሎ።