7 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ
ምስ ጠመዩ ኻብ ሰማይ መና ኣውሪድካ ሃብካዮም፤ ምስ ፀምኡ ኸዓ ኻብ ኰዅሒ ማይ ኣውፃእኻሎም። እታ ንኣኣቶም ክትህቦም ዘተስፈኻዮም ምድሪ ምእንቲ ኽወርስዋ ናብኣ ኽኣትዉ ኣዘዝካዮም።
ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ናብ በሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዱ። ብገምበሮም ድማ ተደፍኡ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣዮም።
“ነታ በትሪ ውሰዳ፤ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከዓ ነቲ ማሕበር ኣክብዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ነቲ ኰዅሒ ማይ ከፈልፍል ኣዝዝዎ፤ ንስኻውን ካብቲ ኰዅሒ ማይ ኣፈልፍለሎም፤ ነቲ ህዝብን ንኸፍቶምን ከዓ ኣስትዮም” በሎ።
እግዚኣብሄር ግና ብሰንክኹም ተቘጥዐኒ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበየኒ። ኣስዒቡ ድማ ‘ይኣኽለካ፤ በዝ ነገር እዙይ መሊስካ ኣይትዛረበኒ።