3 እቶም ህዝቢ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሎም ተጓየቝዎ፦ “ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሞቱ እንተለዉ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና!
ንመንፈሱ ስለ ዘምረርዋ ድማ፥ ብኸናፍሩ ስንፍና ተዛረበ።
ንእግዚኣብሄርውን ከምዙይ ኢሎም ሓመይዎ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ማእዲ ኽሰርዕዶ ይኽእል? እንሆ፥ ንኰዅሒ ወቕዐሞ ማይ ፈልፈለ፤ ውሕጅውን ወሓዘ፤ ግና እንጀራ ምሃብ ይኽእልዶ? ንህዝቡኸ ማእዲ ኽሰርዕዶ ይኽእል?”
እቶም ህዝቢ ድማ “እንሰትዮ ማይ ሃበና” ኢሎም ምስ ሙሴ ተጓየቑ። ሙሴ ኸዓ “ስለ ምንታይ ምሳይ ትበኣሱ? ስለ ምንታይከ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ?” በሎም።
ጤት። ካብቶም ብጥሜት ዝሞቱ፥ እቶም ብሰይፊ ዝተቐተሉ ይሐሹ፤ ኣብ ሜዳ ምግቢ ብዘይምርካቦም፥ ዝበልዕዎ ስኢኖም ብጥሜት ሃሊቖም እዮምሞ።
እቶም ህዝቢ ክፉኣት ኮይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣጕረምረሙ። እግዚኣብሄር ሰሚዑ ድማ ተቘጥዐ፤ ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ነደደ፤ ነቲ ወሰን ሰፈር ድማ በልዐ።
ንሕና ኣብ ውግእ ክንመውት፥ ኣንስትናን ደቅናን ከዓ ኽማረኹ፥ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና! ናብ ግብፂ እንተንምለስዶ ኣይምሕሸናን?”
ብዘይ እቶም ብሰንኪ ቆሬ ዝሞቱ፥ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ።