27 ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ኵሉ እቲ ማሕበር እናረአዮምውን ናብ እምባ ሆር ደየቡ።
ንኣሮን ከዓ ኣልባሱ ኣውፂእኻ ንኣልኣዛር ወዱ ኣልብሶ። ኣሮን ግና ኣብኡ ኽመውት እዩ።”
ሙሴ ድማ ንኣልባስ ኣሮን ኣውፂኡ ንወዱ ኣልኣዛር ኣልበሶ። ኣሮን ከዓ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ኻብቲ እምባ ወረዱ።
ንምድሪ ኤዶምያስ ርሒቖም ክዞሩ ኻብ እምባ ሆር ተልዒሎም ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጕዓዙ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ካብ መንገዲ ዝተልዓለ ደኸሙ።