25 ንስኻ ሙሴ ኸዓ ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ወሲድካ፥ ናብ እምባ ሆር ኣደዪቦም።
ወዲ ኣቢሱ፥ ወዲ ፊንሃስ፥ ወዲ ኣልዓዛር፥ ወዲ ኣሮን ሊቀ ካህናት፥
ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን፥ ንኣልኣዛርን ንኢታምርን “ከይትሞቱ፥ ነዝ ህዝቢ እውን እግዚኣብሄር ከይቝጥዖ፥ ብሓዘን፥ ፀጕሪ ርእስኹም ኣይትላፅዩ፤ ክዳውንትኹምውን ኣይትቕደዱ፤ በዝ እግዚኣብሄር ዘቃፀሎ ምቅፃል ኣሕዋትኩም ድማ፥ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ይብከ።
ናዳብን ኣብዩድን ግና እቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ሓዊ ብምቕራቦም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። ውሉድውን ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን ኢታምርን ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦኣቶም ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ።
ደቂ እስራኤል ድማ፥ ካብ ብኤሮት ብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጕዓዙ። ኣሮን ኣብኡ ሞተ፤ ኣብኡውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኮነ።