24 “ኣብ ማይ መሪባ ኽልቴኹም ንትእዛዘይ ስለ ዝጠሓስኩምዎ፥ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ እንተይኣተወ፥ ክመውት እዩ።
ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፤ ብፅቡቕ እርጋን ድማ ኽትቅበር ኢኻ።
እስማኤል ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት ምስ ኮኖ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ።
ኣብርሃም ፅቡቕ መዋእል ረኺቡ፥ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ።
ይስሓቅውን ነፍሱ ሃበ፤ ሞተውን፤ ኣሪጉ፥ ዕድመ ፀጊቡ ድማ ናብ ወገናቱ ተኣከበ። ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ከዓ ቐበርዎ።
ሽዑ ያእቆብ ንደቁ፦ “እንሆ፥ ኣነ ናብ ወገናተይ ክእከብ እየ። ኣብታ ግራት ኤፍሮን ኬጢያዊ ዘላ በዓቲ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ።
ያእቆብ ንደቁ እዙይ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣእጋሩ ኣከበ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት እሞ፥ ናብ ወገናቱ ተፀመረ።
ስለዙይ ንስኻ ናብ ኣቦታትካ ክትእከብ ኢኻ፤ ናብ መቓብርካውን ብሰላም ክትእከብ ኢኻ። ነቲ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌምን ናብቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዘምፅኦ ዅሉ መከራ በዒንትኻ ኣይትሪኦን ኢኻ።” ንሳቶም ድማ ነዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ።
ደቂ እስራኤል ንሙሴ ስለ ዝተጓየቑዎን “እግዚኣብሄር ምሳና ኣሎዶ የለን?” ኢሎምውን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተፈታተንዎን፥ እታ ቦታ ማሳን መሪባን ኢሉ ሰመያ።
ንኣሮን ከዓ ኣልባሱ ኣውፂእኻ ንኣልኣዛር ወዱ ኣልብሶ። ኣሮን ግና ኣብኡ ኽመውት እዩ።”
ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኽተእትዉና ኢልኩም ዲኹም ካብ ግብፂ ዘውፃእኹምና? እኽሊ ኾነ በለስ፥ ወይኒ ኾነ ሮማን የብላን፤ ዝስተ ማይውን የብላን።”
ምስ ረአኻያ ድማ ኸምቲ ኣሮን ሓውካ ዝተኣከበ ንስኻውን ከምኡ ናብ ወገናትካ ኽትእከብ ኢኻ።
“በቲ ምድያማውያን ዝገበርዎ፥ ንደቂ እስራኤል ሕነ ፍደየሎም፤ ብድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ክትእከብ ኢኻ።”
ደቂ ጌድሶን ኵሉ ኣገልግሎቶም፥ ፆሮም ኮነ ስራሖም፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ክፆርዎ ዘለዎም ኵሉ ይቈፃፀርዎም።
ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ እምባ ሆር ዝሞተ፥ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ እምባ ሙት።
ንነገድ ሌዊ፦ “ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ቅዱሳን ሰብካ እዮም፤ ነቶም ኣብ ማሳህ ዝፈተንካዮም፥ ነቶም ኣብ ማይ መሪባ ዝተኸራኸርካዮም እዮም።
“እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፈሊጠ ኣለኹ። ካባኻትኩም ዝተልዓለ ድማ ኣብ ልዕሌና ፍርሒ ሓዲሩና ኣሎ። ኵሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኸዓ ኣብ ቅድሜኹም ብፍርሓት ልቦም መኺኹ ኣሎ።
ኵሉ እቲ ትውልዲ እቱይ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ። ብድሕሪኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብርን ዘይፈልጥ ካልእ ትውልዲ ተልዓለ።