Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 20:21 - መፅሓፍ ቅዱስ

21 ሽዑ ኸዓ ብዙሕን ሓያልን ሰራዊት ሒዞም ክወግእዎም ወፁ። በዝ ኸምዙይ ኤዶማውያን ንእስራኤል ብግዝኣቶም ምሕላፍ ምስ ከልእዎም፥ እስራኤላውያን ካብኡ ኣግለሱ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 20:21
10 Referencias Cruzadas  

ሕዚ ኸዓ፥ ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ኤዶምያስን እነሆ፤ ኣቦታትና ኻብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣኣቶም ክሓልፉ ስለ ዘይፈቐድካሎም፥ ዘይሮም ሓለፉ እምበር ኣየጥፍእዎምን።


ሴዎን ግና እስራኤላውያን ብግዝኣቱ ኽሓልፉ ስለ ዘይፈቐደ ዅሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤላውያን ክወግኦም ናብ በረኻ ወፀ፤ ናብ ያሃፅ መፂኡ ኸዓ ምስ እስራኤል ተዋግአ።


ንምድሪ ኤዶምያስ ርሒቖም ክዞሩ ኻብ እምባ ሆር ተልዒሎም ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጕዓዙ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ካብ መንገዲ ዝተልዓለ ደኸሙ።


“ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ንየማንን ንፀጋምን እንተየግለስና በቲ ጐደና ኽንከይድ ኢና።


ከምቲ ኣብ ሴይር ዝነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዔር ዝነብሩ ሞኣባውያንን ዝገበሩልና ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበና ምድሪ ንፈለግ ዮርዳኖስ ክንሳገር ፍቐደልና” በልክዎ።


“ኤዶማውያን ግና ኣሕዋትኩም እዮም እሞ ኣይትፀየፍዎም፥ ንግብፃውያንውን፥ ኣብ ሃገሮም ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ኣይትፀየፍዎም።


ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ልኡኻት ሰዲዶም፦ ‘በይዛኻ ብምድርኻ ኣሕልፈና’ በልዎ። ንጉስ ኤዶምያስ ግና ኣይፈቐደን። ናብ ንጉስ ሞኣብ ከዓ ለኣኹ፤ ንሱውን ኣበየ እሞ፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ቃዴስ ተቐመጡ።


“ሽዑ ብምድረ በዳ ኸይዶም፥ ንምድሪ ኤዶምያስን ንምድሪ ሞኣብን ዞርወን፥ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማዕዶ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ወሰን ሞኣብ ስለ ዝነበረ፥ ናብ ማዕዶ ወሰን ሞኣብ ኣይሓለፉን።


ንስኻ እቲ ኸሞሽ ኣምላኽካ ዝሃበካ ውረስ፤ ንሕና ኸዓ ኸምኡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝሃበና ኽንወርስ ኢና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos