17 በይዛኻ! ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ብገራሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሓልፍን፤ ማይ ዒላውን ኣይንሰትን፤ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ደኣ ንኸይድ እምበር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይነግልስን ኢና።”
ሕዚ ኸዓ፥ ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ኤዶምያስን እነሆ፤ ኣቦታትና ኻብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣኣቶም ክሓልፉ ስለ ዘይፈቐድካሎም፥ ዘይሮም ሓለፉ እምበር ኣየጥፍእዎምን።
እቲ ኣብ ደቡባዊ ከነዓን ዝነብር ከነዓናዊ ናይ ኣራድ ንጉስ፥ ደቂ እስራኤል ብመንገዲ ኣታሪም ከም ዝመፁ ምስ ሰምዐ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ተዋግአ፤ ካብኣቶም ከዓ ውሑዳት ምርኮ ማረኸ።
“ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ንየማንን ንፀጋምን እንተየግለስና በቲ ጐደና ኽንከይድ ኢና።
እንበልዖ እንጀራ ብገንዘብ ሽጠልና፤ እንሰትዮ ማይውን ብገንዘብ ሃበና። ንእግርና ጥራሕ ኣሕልፈና።
ከምቲ ኣብ ሴይር ዝነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዔር ዝነብሩ ሞኣባውያንን ዝገበሩልና ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበና ምድሪ ንፈለግ ዮርዳኖስ ክንሳገር ፍቐደልና” በልክዎ።