14 ሙሴ ድማ ኻብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ፦ “ሓውካ ዝኾነ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ድማ፥ “ኣብ ማህፀንኪ ኽልተ ወገን ኣለዉ፤ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ክኽፈሉ እዮም፤ እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ሓደ ህዝቢ ኽብርትዕ እዩ፤ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽተይ ክግዛእ እዩ” በላ።
እቲ ቕድም ዝተወልደ ቐይሕ፥ ኵለንትናኡ ኸዓ ፀጓር ነበረ። ስለዙይ ስሙ ኤሳው ኢሎም ሰመይዎ።
ድሕሪዙይ ድማ ሓዉ ተወለደ። ኢዱ ኸዓ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት። ስለዙይ ስሙ ያእቆብ ተብሃለ። ንሳ ኽትወልዶም እንተላ ኸዓ፥ ይስሓቅ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ።
ያእቆብ ከዓ “በይዛኻ ስምካ ንገረኒ” ኢሉ ጠየቆ። ንሱ ድማ “ስለ ምንታይ ስመይ ትጥይቐኒ?” በሎ፤ ሽዑውን ባረኾ።
ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከድሕን ኢሉ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ግብፃውያንን ዝገበሮን፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ኵሉ መከራን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንሓዉ ብሰይፊ ኣሳጒጕዎ እዩሞ፥ ኵሉ ርህራሀውን ሓዲጉ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ኵልሻዕ ቀዲዱ እዩሞ፥ መዓቱውን ንዘለኣለም ሓሊዩ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ኤዶምያስ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።
“ኣነ ፈትየኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ፈተኻና? ትብሉ ኣለኹም። “ኤሳው ሓው ያእቆብዶ ኣይነበረን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንያእቆብ ፈተኹ፤
ከይዶም ከዓ ናብታ ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ዘለውዋ ምድረ በዳ ፋራን፥ ናብ ቃዴስ፥ መፁ። ኣብኣ ንሙሴ፥ ንኣሮንን ንዅሉ ማሕበር እስራኤልን ናይቲ ዝረአይዎ ፀብፃብ ሃብዎም። ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም።
ኣቦታትና ናብ ግብፂ ወረዱ፤ ንሕና ኸዓ ኣብኡ ነዊሕ ዘመን ተቐመጥና፤ ግብፃውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ኣሳቐዩና።
ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ቃዴስ ተጕዒዞም ናብ እምባ ሆር መፁ።
“ኤዶማውያን ግና ኣሕዋትኩም እዮም እሞ ኣይትፀየፍዎም፥ ንግብፃውያንውን፥ ኣብ ሃገሮም ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ኣይትፀየፍዎም።
እቲ ኻብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም፥ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀፆ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከዓ ዝገበርኩምዎ፥ ንሴዎንን ንዓግን ከም ዘጥፋእኹምዎም ሰሚዕና ኢና።
“እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፈሊጠ ኣለኹ። ካባኻትኩም ዝተልዓለ ድማ ኣብ ልዕሌና ፍርሒ ሓዲሩና ኣሎ። ኵሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኸዓ ኣብ ቅድሜኹም ብፍርሓት ልቦም መኺኹ ኣሎ።
እቲ ነቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን፥ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን፥ ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና ኢና።
ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብፂ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና።