10 ምስ ኣሮን ኮይኑ ድማ ነቲ ማሕበር ኣብ መንፀር እቲ ኰዅሒ ኣኪቡ፥ “ኣቱም ዓመፀኛታት፥ እስኪ ስምዑ፤ ካብዝ ኰዅሒ እዙይዶ ማይ ክነፈልፍለልኩም?” በሎም።
ንሳቶም ከዓ “ሕልሚ ሓሊምናስ ዝፈትሐልና ስኢንና” በልዎ። ዮሴፍ ድማ “ምፍታሕ ሕልሚ እግዚኣብሄር ንዝሃቦዶ ኣይኮነን? እስኪ ሕልምኹም ንገሩኒ?” በሎም።
ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን “እዙይ ካባይ ኣይኮነን፤ እግዚኣብሄር ንፈርዖን ብሰናይ ክምልሰሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
ዓይኒ ማያት ካብ ኰዅሒ ኣውፅአ፤ ንማይ ድማ ኸም ውሕጅ ኣፍሰሶ።
እንሆ፥ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ኮሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኰዅሒ ኸዓ ኽትወቕዖ ኢኻ፤ ነቶም ህዝቢ ዘስቲ ማይ ድማ ኻብኡ ኽወፅእ እዩ” በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።
“ኣብ ማይ መሪባ ኽልቴኹም ንትእዛዘይ ስለ ዝጠሓስኩምዎ፥ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ እንተይኣተወ፥ ክመውት እዩ።
ኣነ ግና፥ ንሓዉ ብዘይኮነ ዝቝጣዕ ዅሉ ኽፍረዶ እዩ፤ ንሓዉ ጨርቃም ዝብሎ ድማ፥ ኣብ መጋባእያ ኽፍረዶ እዩ፤ ‘ኣታ ዓሻ’ ዝብሎውን፥ ብገሃነመ እሳት ክፍረዶ እዩ፤ እብለኩም ኣለኹ።
እቲ ዘዕቢ እግዚኣብሄር ደኣ እምበር፥ እቲ ዝተኸለ ኾነ፥ እቲ ዘስተየ ዝጠቅም የብሉን።
ተቘጥዑ፤ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ ቍጥዓኹም፥ ፀሓይ ኣይትዕረብኩም፤
ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዓመፀኛታት ነበርኩም።
ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተ ሃልዩ ግና፥ ንሱ ንዅለንተናኡ ኽመልኽ ዝኽእል፥ ፍፁም ሰብ እዩ።