9 ኵላቶም ካብ ሰፈር ይሁዳ ዝተቘፀሩ በብሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሽዱሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጐዓዙ።
እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ይሁዳ ዝነበሩ ሰራዊት በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ንቕድሚት ተጕዓዙ፤ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ።
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።