30 ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
ቀፂሉ ነገድ ንፍታሌም ይስፈር። ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣኪሬ ወዲ ዔናን እዩ።
እቶም ኣብ ሰፈር ዳን ዝተቘፀሩ ዅሎም ሚእትን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ደጀን ኮይኖም ይጐዓዙ።
ደቂ ንፍታሌም ብድምር ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።