27 ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ፋግኤል ወዲ ኤኽራን እዩ።
ካብ ኣሴር፥ ፋግኤል ወዲ ኤክራን፥
ብዝሒ ሰራዊቱ ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ነበረ።
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ፋግኤል ወዲ ዖክራን፥ ሹም ደቂ ኣሴር ነበረ።
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ፋግኤል ወዲ ዖክራን እዙይ እዩ።