25 ሰራዊት ዳን ብወገን ሰሜን ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዩ።
ካብ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥
ካብ ዳን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
እቶም ኣብ ሰፈር ነገድ ደቂ ዳን ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም በብኽፍሎም፥ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኮይኖም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኣኪዔዘር ወዲ ኣሚሳዳይ ነበረ።
ብዝሒ ሰራዊቱ ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ነበረ።
ሹም ዓሌታት ሜራሪ፥ ፁሪኤል ወዲ ዓቢካኢል እዩ። ንሳቶም ነቲ ድንኳን ብወገን ሰሜኑ ይስፈሩ።
ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥ ሹም ደቂ ዳን ነበረ።
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዙይ እዩ።