24 እቶም ኣብ ሰፈር ኤፍሬም ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሸሞንተን ሽሕን ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ።
ኣብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን፥ ሓይልኻ ኣልዕል፤ ንምድሓንናውን ነዓ።
እቶም ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ከዓ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ።
እቶም ኣብ ሰፈር ሮቤል ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ።
ብዝሒ ሰራዊቱ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
እቶም ኣብ ሰፈር ዳን ዝተቘፀሩ ዅሎም ሚእትን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ደጀን ኮይኖም ይጐዓዙ።
ኵላቶም ካብ ሰፈር ይሁዳ ዝተቘፀሩ በብሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሽዱሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጐዓዙ።