18 ሰራዊት ኤፍሬም ብወገን ምዕራብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኣቶም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዩ።
“ሕዚ ኸዓ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብፂ እንተይመፃእኹ፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝተወለዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ እዮም።
እናበኸዩ ኽመፁ እዮም፤ ብምፅንናዕ ክመርሖም እየ፤ ብዘይዕንቀፉላ ቕንዕቲ መንገዲ፥ ናብ ወሓዚ ማይ ክመርሖም እየ፤ ኣነ ንእስራኤል ኣቦ እየሞ፥ ኤፍሬም ከዓ በዅሪ ወደይ እዩሞ።
ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ፥ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ገማልኤል ወዲ ፈዳሱር፥
ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
እቶም ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ከዓ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ።
ብዝሒ ሰራዊቱ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።
ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ሹም ደቂ ኤፍሬም ነበረ።
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዙይ እዩ።
ግርማ ዮሴፍ ከም በዅሪ ኣርሒ እዩ፤ ኣቕርንቱ ኸም ሓደ ዝቐርኑ ሓርሽ እዮም፤ ብኣኣቶም ገይሩ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ንዘለዉ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ይወግኦም፤ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።”