13 ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበረ።
ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ።
ምስኡ ለጊቦም ከዓ ነገድ ስምኦን ይስፈሩ። ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ እዩ።
ቀፂሉ ነገድ ጋድ ይስፈር፤ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ።
ደቂ ስምኦን ብድምር ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።