10 ሰራዊት ሮቤል ብወገን ደቡብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ሮቤል ከዓ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር እዩ።
ደቂ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንእስራኤል እዚኣቶም እዮም። ሮቤል በዅሪ ወዱ ነበረ፤ ግና ደፊሩ ዓራት ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ፥ መሰል ብዅርናኡ ንደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተውሃበ። ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ግና፥ ከም በዅሪ ኣይተፅሓፈን።
ስም ናይቶም ምሳኻትኩም ዝቖሙ ሰባት እዙይ እዩ፦ ካብ ሮቤል፥ ኤሊሱር ወዲ ሱሪሳዳይ፥
እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ሮቤል ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ብድሕሪኦም ተጕዓዙ፤ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር ነበረ።
ካልኣይ ልዕል ብዝበለ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ከዓ፥ ብወገን ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይጐዓዙ። ንጕዕዞ መለኸት ይንፍሑ።
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።
ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር፥ ሹም ደቂ ሮቤል ነበረ።
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር እዙይ እዩ።