9 “ነቲ ናይታ ዓርሒ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር ድማ ኸምቲ ሕጊ፥ ንፁህ ኣብ ዝኾነ ቦታ የንብሮ። እዙይ ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝነፅሁሉ ማይ ምእንቲ ክኸውን ይተሓሎ።
ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅገኣ ዝደቀሰትሉ ዅሉ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ኮፍ ዝበለቶውን ዝረኸሰ ይኸውን።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቤት ዳዊትን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን፥ ካብ ሓጢኣትን ካብ ርኽሰትን እተንፅህ፥ ዓይኒ ማይ ክትክፈተሎም እያ።
ሬሳ ሰብ ዝነኽአ እሞ ዘይነፅሀ፥ ንመሕደሪ እግዚኣብሄር ስለ ዘርከሰ፤ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። እቲ ማይ ምንፃህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነፀጎ ርኹስ እዩ፤ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ።
“ነቲ ርኽሰት ንምንፃህ ድማ ኻብ ሓሙዅሽቲ እታ ኽንዲ ሓጢኣት ዝተቓፀለት ዓርሒ ይውሰዱ፤ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓሙዅሽቲ ፅሩይ ማይ የፍስሱሉ።
ከም ሕጊ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓፅሚ ወይ ነቲ ዝተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝነኽአን ይንፀግ።
ንኣኣውን ንኻህን ኣልኣዛር ይሃብዎ፤ ንሱ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅኣያ፤ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ።
እቲ ዘቃፀላ ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ብማይ ይሕፀብ፤ ሰብነቱውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።
ከም ብሓድሽ ከዓ ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይወፈ፤ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ የምፅእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፥ እተን ቀዳሞት መዓልቲታት ከንቱ እየን።
ከምዙይ ጌርካ ኣንፅሃዮም፦ እቲ ሓጢኣት ዘንፅህ ማይ ንፀገሎም፤ ኵሉ ሰብነቶም ይላፀዩ፤ ክዳውንቶምውን ይሕፀቡ፤ ይንፅሁውን።
ግና ዝኾነ ሰብ ንፁህ እንተሎ፥ መገሻውን ዘይከደ እንተሎ፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜ ስለ ዘየቕረበ፥ ካብ ህዝቡ ይፈለ። እቲ ሰብ እቱይ ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።
ደም ኣጣልን ዝራብዓትን፥ ናይታ ዝሓረረት ዓርሒ ሓመዅሽትን፥ ኣብቶም ዝረኸሱ ተነፂጉ፥ ሰብነቶም ኣንፂሁ ዝቕድሶም ካብ ኮነ፥