8 እቲ ዘቃፀላ ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ብማይ ይሕፀብ፤ ሰብነቱውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።
ነፍሲ ወከፍ ገምቢኦም ዘልዓለ ኸዓ፥ ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።
እቲ ዘቃፀሎም ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር ይእቶ።
ዝኾነ ሰብ ዝበኸተ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዐ፥ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ንፁህ ይኸውን።
እዙይ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹነልኩም። “እቲ ማይ ምንፃህ ዝነፀገ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ እቲ ማይ ምንፃህ ዝነኽአ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
እቲ ኻህን ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ብድሕሪኡ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።
“ነቲ ናይታ ዓርሒ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር ድማ ኸምቲ ሕጊ፥ ንፁህ ኣብ ዝኾነ ቦታ የንብሮ። እዙይ ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝነፅሁሉ ማይ ምእንቲ ክኸውን ይተሓሎ።