6 እቲ ኻህን ድማ ዕንፀይቲ ፅሕድን ስምዕዛን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ወሲዱ፥ ናብ ማእኸል እታ ዓርሒ እትቃፀለሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ።
ብስምዕዛ ንፀገኒ ኽነፅህ ድማ እየ፤ ሕፀበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽፅዕዱ እየ።
“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።
ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዝነፅህ ሰብ፥ ብህይወተን ዘለዋ ኽልተ ንፁሃት ኣዕዋፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከምፅኡ ይኣዝዝ።
እታ ገዛ እትነፅሀሉ ድማ ኽልተ ዒፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ፤
ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ነቲ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ ዝተሓርደት ዒፍ የጥልቆ።