4 ካህን ኣልኣዛር ከዓ ኻብቲ ደማ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ብወገን ቅድሚቱ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ።
ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፥ ናብቲ ሓጢኣት ዘስትስረየሉ መኽደን ብወገን ምብራቑ በፃብዕቱ ይንፀግ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓጢኣት ዝስትስረየሉ መኽደን እውን ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ በፃብዕቱ ይንፀግ።
ካብቲ ደም ከዓ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንፀግ፤ ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ድማ የንፅሃዮን ይቐድሶን።
እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀጎ።
ሽዑ እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ መቕደስ ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ።
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።