3 ንኣኣውን ንኻህን ኣልኣዛር ይሃብዎ፤ ንሱ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅኣያ፤ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ።
ነቶም ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝተሰውኡ ዝራብዕን ዲበላን፥ ደሞም ንስርየት ሓጢኣት ናብ መቕደስ ዝኣተወ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅእዎም፤ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከዓ ብሓዊ የቃፅልዎ።
ነቲ ዝተፃረፈ ሰብኣይ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅኣዮ፤ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ከዓ በዳሊ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽምስክሩ፥ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ።
ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኵሉ ስጋኡን ምስ ናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዱን ፈርሱን፥
እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ወፃኢ ናብታ ሓሙዅሽቲ ዝፈሰላ ናብ ንፁህ ቦታ ይውሰዶ። ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ገይሩ ብሓዊ የቃፅሎ። ኣብታ ሓሙዅሽቲ ዝጐሓፈላ ቦታ ይቃፀል።
ነቲ ዝራብዕ ድማ ኻብቲ ሰፈር ንወፃኢ የውፅኣዮ፤ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘቃፀሎ፥ የቃፅሎ። እዙይ ናይቲ ማሕበር መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፂኦም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ።
“ነቲ ናይታ ዓርሒ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር ድማ ኸምቲ ሕጊ፥ ንፁህ ኣብ ዝኾነ ቦታ የንብሮ። እዙይ ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝነፅሁሉ ማይ ምእንቲ ክኸውን ይተሓሎ።
ናዳብን ኣብዩድን ግና እቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ሓዊ ብምቕራቦም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። ውሉድውን ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን ኢታምርን ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦኣቶም ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ።
ሕማም ለምፂ ንዘለዎ ዅሉን፥ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ንዝፈስሶ ዅሉን፥ ሬሳ ብምንካእ ንዝረኸሰ ዅሉን፥ ካብ ሰፈር ከውፅእዎ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።