Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 19:20 - መፅሓፍ ቅዱስ

20 ዝረኸሰ ሰብ እንተ ዘይነፅሀ ግና፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ማእኸል እቲ ማሕበር ይጥፋእ። ማይ ምንፃህ ስለ ዘይተነፀጎውን ርኹስ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 19:20
13 Referencias Cruzadas  

ዘይተገረዘ ዅሉ ተባዕታይ፥ ስጋ ቝልፈቱ ዘይተገረዘ፥ እታ ነፍሲ እቲኣ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ትጥፋእ” በሎ።


እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፥ እቲ ኻህን ንዘይኮነ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።”


ነታ ኣብ ማእኸሎም ዘላ ማሕደረይ ብምርካሶም ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፥ ንደቂ እስራኤል ካብ ዘርክሶም ነገር ከምዙይ ጌርኩም ፍለይዎም።


ክዳውንቱ እንተ ዘይሓፀበ፥ ሰብነቱ እውን እንተ ዘይተሓፀበ ግና ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።


ካብ ደቂ ኣሮን ዝኾነ ሰብ ሕማም ለምፂ ዘለዎ፥ ወይ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ፥ ክሳዕ ዝነፅህ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምዉት ዝረኸሰ ዝኾነ ነገር እንተ ነኽአ፥ ወይ ዘርኡ እንተ ፈሰሶ፥


ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ብትዕቢት ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ይወገድ።


ሬሳ ሰብ ዝነኽአ እሞ ዘይነፅሀ፥ ንመሕደሪ እግዚኣብሄር ስለ ዘርከሰ፤ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። እቲ ማይ ምንፃህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነፀጎ ርኹስ እዩ፤ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ።


ግና ዝኾነ ሰብ ንፁህ እንተሎ፥ መገሻውን ዘይከደ እንተሎ፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜ ስለ ዘየቕረበ፥ ካብ ህዝቡ ይፈለ። እቲ ሰብ እቱይ ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።


እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፥ ክድሕን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና፥ ክዅነን እዩ።


ስለዙይ ከዓ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ እናተፀበኹም፥ ብዘይ ነውርን፥ ብዘይ ነቐፋን ኴንኩም፥ ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም፥ ብትግሃት ንበሩ።


እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፤ እቲ ርኹስ ይርከስ፤ እቲ ፃድቕ ይፅደቕ፤ እቲ ቕዱስ ይቀደስ” በለኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos