19 እቲ ንፁህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሻውዐይቲ መዓልትን ይንፀገሉ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንፁህ ክኸውን እዩ። እቲ ዝነፅህ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ምሸት ከዓ ንፁህ ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ዅሉ ስራሑ ብሽዱሽተ መዓልቲ ፈፂሙ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ ስራሑ ኣዕረፈ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብቶም ህዝቢ ኺድ፤ ሎምን ፅባሕን ቀድሶም፤ ክዳውንቶም ከዓ ይሕፀቡ።
ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ሕማም ለምፂ ዝነፅህ ሰብ ከዓ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ እሞ፥ ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ።
ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ዅሉ ፀጕሩ ይላፀ፤ ርእሱን ጭሕሙን ከበሮ ዓይኑን ኵሉ ፀጕሩን ይላፀ፤ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ሽዑ ንፁህ ይኸውን።
ንሱ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን ሻውዐይቲ መዓልትን ብማይ ተሓፂቡ ይንፃህ፤ ሽዑ ኸዓ ይነፅህ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነፅሀ ግና በታ ሻውዐይቲውን ኣይነፅህን እዩ።
ሬሳ ሰብ ዝነኽአ እሞ ዘይነፅሀ፥ ንመሕደሪ እግዚኣብሄር ስለ ዘርከሰ፤ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። እቲ ማይ ምንፃህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነፀጎ ርኹስ እዩ፤ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ።
ከም ሕጊ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓፅሚ ወይ ነቲ ዝተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝነኽአን ይንፀግ።
“ካባኻትኩም ሰብ ዝቐተለ፥ ዝተቐትለውን ዝነኽአ ኽሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ሰፈር ወፂኡ ይፅናሕ። ንሳቶምን ምሩኻቶምን ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ርእሶም የንፅሁ።
ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽዳውንትኹም ሕፀቡ፤ ክትነፅሁ ድማ ኢኹም፤ ሽዑ ኸዓ ናብ ሰፈር ክትኣትዉ ትኽእሉ።”
ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
ንገሊኣቶም፥ ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ፥ ነቲ ብትምኒት ስጋኦም ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናፀላእኹም፥ ንርእስኹምውን እናፈራሕኹም ራህርሁሎም።