18 ከም ሕጊ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓፅሚ ወይ ነቲ ዝተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝነኽአን ይንፀግ።
ብስምዕዛ ንፀገኒ ኽነፅህ ድማ እየ፤ ሕፀበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽፅዕዱ እየ።
ካብ ሓጢኣተይ ገፅካ መልስ፤ ንዅሉ በደለይውን ደምስሰለይ።
ከምኡ ኸዓ ንብዙሓት ኣህዛብ ከደንቕ እዩ፤ እቶም ብዙሓት ነገስታትውን፥ ተነጊርዎም ዘይፈልጥ ስለ ዝሪኡ፥ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡውን ስለ ዘስተውዓሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣፎም ክሕዙ እዮም።”
“ነቲ ርኽሰት ንምንፃህ ድማ ኻብ ሓሙዅሽቲ እታ ኽንዲ ሓጢኣት ዝተቓፀለት ዓርሒ ይውሰዱ፤ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓሙዅሽቲ ፅሩይ ማይ የፍስሱሉ።
እቲ ንፁህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሻውዐይቲ መዓልትን ይንፀገሉ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንፁህ ክኸውን እዩ። እቲ ዝነፅህ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ምሸት ከዓ ንፁህ ክኸውን እዩ።
“ነቲ ናይታ ዓርሒ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር ድማ ኸምቲ ሕጊ፥ ንፁህ ኣብ ዝኾነ ቦታ የንብሮ። እዙይ ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝነፅሁሉ ማይ ምእንቲ ክኸውን ይተሓሎ።
በቲ ሓቅኻ ቐድሶም፤ ቃልካ ሓቂ እዩ።
ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽቕደሱስ፥ ኣነ ምእንትኣቶም ንርእሰይ እቕድስ ኣለኹ።
ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!
ሙሴ ድማ፥ ነቲ ትእዛዝ ብምሉኡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ምስ ነገሮም፥ ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ምስ ማይ ሓዊሱ፥ ብቐይሕ ፀጕሪ በጊዕን፥ ብቘፅሊ ስምዕዛን ገይሩ፥ “እግዚኣብሄር ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም፥ ብደም ዝተሰርዐ ኺዳን እዙይ እዩ” እናበለ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቶም ህዝብን ነፀገሎም።