17 “ነቲ ርኽሰት ንምንፃህ ድማ ኻብ ሓሙዅሽቲ እታ ኽንዲ ሓጢኣት ዝተቓፀለት ዓርሒ ይውሰዱ፤ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓሙዅሽቲ ፅሩይ ማይ የፍስሱሉ።
ኣገልገልቲ ይስሓቅ ድማ ኣብቲ ለሰ ዒላ ዀዓቱ፤ ኣብኡ ኸዓ ፈልፋሊ ዒላ ማይ ረኸቡ።
ንስኺ ኣታኽልቲ ኸም እተስቲ ዓይኒ ማይ፥ ዒላ ህይወት፥ ካብ ሊባኖስ ዝውሕዝ ሩባ ኢኺ።
ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቤት ዳዊትን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን፥ ካብ ሓጢኣትን ካብ ርኽሰትን እተንፅህ፥ ዓይኒ ማይ ክትክፈተሎም እያ።
ከም ሕጊ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓፅሚ ወይ ነቲ ዝተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝነኽአን ይንፀግ።
“ነቲ ናይታ ዓርሒ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር ድማ ኸምቲ ሕጊ፥ ንፁህ ኣብ ዝኾነ ቦታ የንብሮ። እዙይ ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝነፅሁሉ ማይ ምእንቲ ክኸውን ይተሓሎ።
ኵሉ ሓዊ ዝኽእል ነገር ብሓዊ ሓሊፉ ይንፃህ፤ በቲ ዘንፅህ ማይ ከዓ ይተሓፀብ። ኵሉ ሓዊ ዘይኽእል ድማ ብማይ ይተሓፀብ።
እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ከምቲ መፅሓፍ ዝበሎ፥ ‘ካብ ውሽጡ ማይ ህይወት ክፍልፍል እዩ’ ” እናበለ ተዛረበ።
ደም ኣጣልን ዝራብዓትን፥ ናይታ ዝሓረረት ዓርሒ ሓመዅሽትን፥ ኣብቶም ዝረኸሱ ተነፂጉ፥ ሰብነቶም ኣንፂሁ ዝቕድሶም ካብ ኮነ፥
እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።